ዓውደ-ምርኢት “ኤግዚቢሽንን ባዛርን ኢሬቻ 2017” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

አዲስ አበባ፣ መስከረም 8፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኤግዚቢሽንን ባዛርን ኢሬቻ 2017″ ዝተሰነየ ዓውደ-ምርኢት ካብ 18 ክሳብ 24 መስከረም 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚቢሽን ማእኸል ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ዓውደ-ምርኢት ፓናል ዘተታት ሓዊሱ ኤግዚቢሽን ባሀሊ፣ ባዛርን ምድላዋት ሙዚቃን ክቐርቡ ኢዮም፡፡

ኢሬቻ ምልክት ሓድነት ከምዝኾነን ኢኮኖሚያዊ ከስቢታቱ ንምፍላጥን እቲ ዓውደ-ምርኢት ግደ ከምዝህልዎ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ዓውደ-ምርኢት ልዕሊ 250 ሺሕ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ፡፡

ብመራኦል ከድር

Comments (0)
Add Comment