ዓውደ ምርኢት ንግዲ “ሜድ ኢን ጀርመን-ኣፍሪካ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውደ ምርኢት ንግዲ “ሜድ ኢን ጀርመን-ኣፍሪካ” ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቲ ዓውደ ምርኢት ንግዲ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ዝቕፅል 2 ክሳብ 4 መጋቢት ከምዝፀንሕ ካብ ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያ ተተኣናግዶ ዓውደ-ምርኢት ኢንዱስትሪታት ሃገራ ኣፍሪካ ምስ መሓዙት ንግዲ ካልኦት ሃገራት ዘራኽብ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣፍሪካን ጀርመንን ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ፡፡

ተሳፍቲ ምሁራት ኣፍሪካን ጀርመንን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ትካላትን እታ ኣህጉር ዘለዉ ፀገማት ብምፍላይ መፍትሒ ሓሳብ ንምእንፋት ከምዝዝትዩ እውን ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment