ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ሓበራዊ ዕላማ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ሓበራዊ ዕላማ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪካ ዘይናታ ደሊያ መጥቃዕቲን ወረራን ፈፂማ ኣይትፈልጥን ኢሉ።

ይኹን እንበር ፀላእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወረራ ከምዝፈፀሙ ገሊፁ።

ኮይኑ ግን ኢትዮጵያዊያን ተሳዒሮም  ከምዘይፈልጡ ብምግላፅ፥ ንኩሎም ወረርቲ ክስዶም ክደፍኡ ብምግባር ልኡላውነትን ዶብን ኢትዮጵያ ኣኽቢሮም ኢዮም ኢሉ እቲ መግለፂ።

በዚ ድማ ናይ ጣሊያን ሓዊሱ ሕልሚ ፀላእቲ ከምዝበርዐነ ገሊፁ።

ኢትዮጵያዊያን ነፃነቶም ንምሕላው ወራር ጣሊያን ብምምካት ንዓለም ዘገረመ ግዙፍእ ተጋድሎ ብምፍፃም ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ዝተፈፀመ ጅግንነት ቅድሚ 128 ዓመት 23 ለካቲት 1888 ዓ.ም ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ።

ዓወት ዓድዋ ነፃነት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ዘብሰረ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ሓበራዊ ዕላማ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መገለፂኡ ኣብሪሁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment