ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያን ምንካእ ዘስዕቦ መዘዝ እንታይ ከምዝኾነ ኣምሂሩ ዝሓለፈ ድሙቕ ሓውልቲ ኢዩ- ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ መበል 126 ዓመት ዓወት ዓድዋ ኣድሂቦም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣዶታትናን ተገዛኣይነትን ባርነትን፣ ትሕትነትን ውርደትን እምቢ ብምባል ታሪኽ ዝሰርሕሉ በዓል ዓወት ዓድዋ ንምኽባር ብምኽኣልና ዕድለኛታት ኢና ኢሎም።

እቲ በዓል ናፃ ዝወፃእናሉ ኣይኮን ብምባል፥ ነፃነትና ንከይድፈር ብቅልፅምና ዘኽበርናሉ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ንሓና ናይ ዓወት በዓል እንበር ናይ ነፃነት በዓል የብልናን፤ እዚ ድማ ኩሉ ግዘ እንኾርዓሉ ታሪክና ኢዩ ክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ዓወት ዓድዋ ኣፍሪካውያን፣ እስያውያንን ደቡብ ኣሜሪካውያንን ናይ ባርነት ኣርዑት ንክስበሩ፣ ሸኽሚ ባዕዳዊ ግዝኣት ንከወግዱ፣ ፓሊሲ ፀቕጢ ንከቐይሩ ከምዝገበሮም ሓቢሮም።

ዓወት ዓድዋ ኣብ መንጎ ፀለምቲን ፀዓዱን ዝነበረ ዝተበላሸወ ተረኽ ዝቐየረ፣ ማንነት ፀለምቲ ህዝብታት ዘመስከረ ገድል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያን ምንካእ ዘስዕቦ መዘዝ እንታይ ከምዝኾነ ኣምሂሩ ዝሓለፈ ድሙቕ ሓውልቲ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ዓወት ዓድዋ ክባር ገንዘብ ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ናብ ብዙሓት ነገራት ክሽረፍ ዝኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
“ይኹን እንበር እቲ ክባር ገንዘብ ንዝግበኦ ነገር ኣሽሪፍና ተረቢሕናሉ ዲና?” ክብሉ ሓቲቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ድሕረት ንምውጋድ፣ ድኽነት ንምጥፋእ፣ ዓፀቦ ንምትራፍ፣ ዴሞክራሲን ፍትሒን ንምንጋስ፣ ሓድነትን ሕውነትን ንምፅናዕ ዝገበርናዮ ፃዕሪን ዝረኸብናዮ ውፅኢትን እንትምዘን ዓወት ዓድዋ ብዝግባእ ብምሽራፍ ኣብ ረብሓ ከምዘይወዓለ ብምግላፅ እቲ ሕቶ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ ዓወት ዓድዋ ከም ክቡር ገንዘብ እናሽረፍና ክንጥቀም እንተኾይንና፥ ሓሳብና፣ ፅሑፍና፣ ፍልጠትና፣ ክእለትና፣ ጉልበትና ብምውዳድ ድኽነት፣ ድሕረትን ምክፍፋልን ክንስዕር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ብምሃብ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
መበል 130፣ 140 150 በዓል ዓወት ዓድዋ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባያት፣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምፅናዕ ንኽነኽብሮ እንውስነሉ እዋን ሐዚ ኢዩ ኢሎም።
ዓድዋን ድኽነት፣ ዓድዋን ድሕረትን ዓድዋን ምክፍፋልን ሓቢሮም ከምዘይኸዱ ኣገንዚቦም።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment