ዓወት ዓድዋ ታሪኽ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለምን ዝቐየረ ዘደንቕ ኩነት ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ ኣብ ትሕቲ ፀልማት ሰማይ ፀለምቲ ህዝቢታ ብርሃን ዘወለዐ ዘብርህ ኮኸብ ከምኡ እውን ታሪኽ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ዝቐየረ ዘደንቕ ኩነት ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር፥ መበል 127 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ብሄራት፣ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም፥ ዓወት ዓድዋ ብዝሃ መንነታት ንሓደ ዕላማ ተሰሊፎም ዘይስበር ዝመስል ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣውሮፓን ክብርዕን ዝተገበረሉ ዘደንቕ ታሪኽ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“ናይቲ እዋን ወለዶ ዘደንቕ ዓወት ዝተጎናፀፉ፤ ብዘበናዊ መሳርሒታት ተሓጊዞምን ብወታደራዊ ሳይንስ ሰልጢኖምን ዘይኮነስ፤ ሓድነቶም ጉልበት፣ ስምዒት ፍቕሪ ሃገሮም ስንቂ፣ ወነ ታሪኽ ጅግንነት ኣቦ ሓጎታቶም ትበብ ኮይኑሎም ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment