ዓወት ዓድዋ መላእ ኣፍሪካዊያን ንነፃነቶም ንክቃለሱ ዘለዓዓለ ኢዩ-ኣማኻሪ ኢኮኖሚ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ዮሴፍ ሜንሳህ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ መላእ ኣፍሪካዊያን ንነፃነቶም ንክቃለሱ ዘለዓዓለ ኢዩ ክብሉ ኣማኻሪ ኢኮኖሚ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ዮሴፍ ሜንሳህ ተዛሪቦም።

ኣይተ ዮሴፍ ሜንሳህ መስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ዓወት ዓድዋ ኣፍሪካዊያን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ንምውፃእ ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ድፍረት ዘላበሰን ዘለዓዓለን ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝተረኸበ ዓወት ከም መበገሲ ብምጥቃም ምስ ባዕዳውያን ገዛእቲን ሓይሊታት ኢምፔሪያሊስትን ቃልሲ ናፅነት ከምዝጀመሩ ኣረዲኦም።

ጋና ብነበር መራሒኣ ኩዋሜ ንክሩማ ኣቢላ ነፃነተን ምስ ዘረጋገፃ ሃገራት ክትስለፍ ከምዝኸኣለት ተዛሪቦም።

እታ ሃገር ብግርማዊ ቀዳማዊ ሃይለ-ስላሴ ድጋፍ እናተገበረላ ካብ ኣገዛዝኣ ኢንግሊዝ ብምውፅኣ ንመራሕቲ ኣፍሪካ ነፃ ናይ ምውፃእ መርኣያ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ዓወት ዓድዋ ኣተሓሳስባ ዓለም ዝቐየረን ብውልቀ መላኽነት ልዕልነት ንምርግጋፅ ዝሓልሙ ዝነበሩ ወረርቲ ሓይሊታት ሓሳቦም ብምዕጋት ኣተሓሳስባ ፓን ኣፍሪካኒዝም ንክውለድ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ብዮናታን ዮሴፍ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment