ዓወት ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ሃገር ዘድሕን ብምዃኑ ኩሉ ዜጋ ንዕውትነቱ ክረባረብ ይግባእ – ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ሀገር ዘድሕን ብምዃኑ ኩሉ ዜጋ ንዕውትነቱ ክረባረብ ይግባእ ክብሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ ገሊፆም፡፡

ምስ ፋና ብሮድሳክቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ፥ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኽ ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብ ምርድዳእ ሃገራዊ ጉዳያት ግና ብዙሕ ጉድለት ኣለዋ ይብሉ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ሃገራዊ ዛዕባታት ሓባራዊ ቅዋም ናይ ዘይምሓዝ ጉድለት ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በፂሑ ልኣላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ክሳብ ምውዳቕ ምብፅሑ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ሃገራዊ ሓድነታዊ ግዝኣት፣ ኣብ ሕ-ገመንግስትን ሰንደቕ ዕላማን ሓደ ዓይነት ቅዋም ዘይብሎም ጉዳያት ከምዝኾኑ ኣይተ ተስፋዬ ኣልዒሎም፡፡

ሐዚ ህልውና ኢትዮጵያ ምድሓን ኣድላዪ ብምዃኑ ንዘመናት እናተተጓቱሉ ዝመፁ ፀገማት ምፍታሕ ሃገር ምድሓን ስለዝኾነ፥ ኩሉ ዝሓቖፈ መድረኽ ምኽክር ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ወሲኾም ድማ ነዚ ተባሂሉ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ተፀዋዕነቱ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ፥ ናይ ምኽክር ዛዕባታትን ተሳተፍትን ብናፅነት ናይ ምምራፅ ስልጣን ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ዕላማ እዚ ኩሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው ክትጥሕል ዝገብርዋ ኣፈላላያት ምፍታሕ እምበር ወድዓዊ ኩነታት መበገሲ ገይሩ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተጣየሸ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም፡፡

እቲ መድረኽ ናይ መንግስቲ ወይ እውን ገዛኢ ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዓወት ሃገር ዘድሕን፣ ጎዶልኡ ድማ ሃገር ኣብ ፀገም ዘንብር ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ንዕውትነቱ ክረባረብ ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብመሰረት ቅድሚ ሰሙን ዝፀደቐ ኣዋጅ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብጥቖማ ህዝቢ ብዝምረፁን ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝሽወሙን 11 ኮሚሽነራት ዝምራሕ ኮይኑ፥ ከከም ኣድላይነቱ ዝናዋሕ ናይ 3 ዓመታት ፃንሒት ስራሕ ዝህልዎ ኢዩ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment