ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኩርዓትን መርኣያ ይከኣልን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኢዩ-መንግስቲ

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኩርዓትን መርኣያ ይከኣልን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኢዩ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኩርዓትን መርኣያ ይከኣልን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ 24 መጋቢት 2003 ዓ.ም ዝተጀመረ ህንፀት እቲ ግድብ ሰሚሩ ኣብ ጫፍ ምዝዛም በፂሑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ግድብ ኣብዚ ብርኪ እዚ ንምብፃሕ ብዙሓት ፀገማትን ሽርሒታትን ብምሕላፍ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።

እምነ ሰረት እቲ ግድብ ዝተነበረሉ መበል 13 ዓመት “ብሓድነት ክኢልና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር ካብ ፈለማ ክሳብ ሐዚ ህዝቢ ንዝገበሮ ዘይተቛረፀ ኩለ መዳይ ደገፍ ምስጋና ንምቕራብ ከምዝኾነ አውን ገሊፁ።

እቲ ግድብ ንምህናፅ እንትትለምን እንትጅመርን ያዕያዕታን ፅዕንቶን ቀሊል ኣይነበረን ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ተስፋን ሕልምን ኢትዮጵያዊያን ካብ ፈለማ ጀሚሩ ንክኸሽፍ ዝተወሰና ሃገራት ብሓባር ከምዝኣደማን ከምዝሸረሓን ኣዘኻኺሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ብብርኪ ዓለም ክንግለልን ክንርሕቕን ልዑል ወፍሪ ከምዝተኸፈተ እውን ኣብሪሁ።

ኩሉ ዓይነታት ፅዕንቶ ብምፅዋር ህንፀት እቲ ግድብ ናብ ምዝዛም ምዕራፍ እንትሸጋገር እቲ ወፍሪ ዳግም ብምኽፋትን ሓይሊ ብምትሕብባርን ቤት ምኽሪ ፀፅታ ልምዓት ከም ኲናት ንክዝቲ ከምዝተገበረ ድማ ሓቢሩ።

ይኹን አንበር ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ዝጀመርናዮን ኣድላዪ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉን መግለፂ ኩርዓትናን ሓድነትናን ዝኾነ ፕሮጀክት ኣብ ምዝዛም ብርኪ ኣብፂሕናዮ ኣለና ኢሉ።

እቲ ግድብ እንሃንፆ ንዝኾነ ይኹን ንምጉዳእ ኣይኮነን፣ መበገሲና ንህዝብና ካብ ፀልማት ናብራ ንምውፃእ ጥራሕ ኢዩ በምባል፥ በዚ ድማ ዝጉዳእ፣ ዝተጎድአ ኣካል የለን ኢሉ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኩርዓትን መርኣያ ይከኣልን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኢዩ ክብል እቲ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment