ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ፖለቲካዊ ተደማፅነት ክብ ዘብል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ፖለቲካዊ ተደማፅነት ክብ ዘብል ከምዝኾነ  ነበር ተደራዳሪ እቲ ግድብ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ተዛሪቦም።

መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሒዙዎ ዝመፅአ ብዙሕ ረብሓ ብዝምልከት ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ነይሩዎም።

ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ፥ እቲ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍልፍል ምዃኑ ምስተን ሃገራት ንምትሕብባር፣ ንምድርዳርን ኣብ ውሳነ ፅዕንቶ ንምዕራፍን ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ሓቢሮም።

እቲ ግድብ ምፍልፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምጅማር ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ኣብ ምምዕባል ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም ።

ምንቕቐሕ ዓውዲ ንግዲን ኢንዱስትሪን፣ ኣብ ማእኸላት ጥዕና ዝህሉ ሕፅረት ሓይሊ ኣብ ምቅራፍ ዝህልዎ ግደ ድማ ከም ኣብነት ገሊፆም።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment