ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ብሰላም ንክዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ብሰላም ንክዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ተሳተፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን፣ ኣምባሳደራት፣ ተኣንገድቲ ኣትሌታት ዝተዓደሙሉ መበገስን መዛዘሚን መስቀል ኣደባባይ ዝገበረ እቲ ጉያ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ኢዩ።
እቲ ውድድር ተጀሚሩ ብሰላም ንክዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።
ካብ ዕላማ እቲ ውድድር ወፃእ ዝኾኑ ዘይሕጋዊ ተግባራትን መልእኽታትን ምትሕልላፍ፣ ሕጋዊ ኣፍ፤እጦ ዘይብሎም ባንዲራታት፣ ናውቲታት ናብቲ ውድድር ዝክየደሉ ከባቢ ሒዝካ ምምፃእ ፈፂሙ ዝተኸልከለን ብሕጊ ዘሕትትን ኢዩ ተባሂሉ።
ሓበሬታ ንምሃብ ይኹን ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብ ብቑፅርታት ስልኪ 011-5-52-63-03፣ 011-5-52-40-77፣ 0115-52-63-02፣011-1-11-01-11 ወይ ነፃ ስልኪ መስመር 991 ን 987 እጥቃም ከምዝከኣል ተገሊፁ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment