ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሓት ዜጋታት ዝተሳተፉሉ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ፡፡
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ብምውዳድ ድሕንነት ተሳታተፍቲ እቲ ውድድር ተሓሊዩ ብሰላም ንኽዛዘነ ብፅሒቱ ከምዝተዋፀአ ተገሊፁ፡፡
ፖሊስ ፌደራል÷ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት ንኽዛዘም ንኣካላት ፀፅታ ምትሕብባር ንዝገበሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ንኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ በዓል ከምኡ እውን ሓላፍነቶም ብብቕዓት ንዝተዋፅኡ ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡