ዓብዩ ኢፍጣር ጎዳናን ውድድር ቁርኣንን ቀፃሊ ሰንበት ክካየድ እዩ

ዓብዩ ኢፍጣር ጎዳናን ውድድር ቁርኣንን ቀፃሊ ሰንበት ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፥ ሃገር ለኸ ሰነ- ስርዓት ዉድድር ቁርኣንን ዓብዩ ኢፍጣር ጎዳናን ሰንበት 7 መጋቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሳለጥ ኣፍሊጡ፡፡

“ቁርዓን-ፍልፍል ሰላምን ፍልጠትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምፅራይ ዉድድር ቁርኣን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ሓለፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ  ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣቡበከር ኣሕመድ ከምዝበልዎ÷ ቁርኣን ብኹሉ መዳይ ህይወት ደቂ ሰባት ብቕኑዕ መገዲ ብምምራሕ ንማሕበረሰብ መሰረት ልዕልና ክኸዉን ዝኸኣለ እዩ፡፡

እቲ ዉድድር ክብሪ ቁርዓንን ልዕልናን ንምግለፅ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ቀንዲ ሃገራዊ ዉድድር ቁርዓን ሰንበት 7 መጋቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ዕለት ብዙሓት ኣመንቲ ዝተዓደሙሉ ሰነ-ስርዓት ዓብዩ ኢፍጣር ጎዳና ፥ ‘ ካብ ኢፍጣር ክሳብ ቁርኣን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝሳለጥ ሓቢሮም፡፡

ከምኡውን ህዝበ ሙስሊም ኣብ ክልቲኦም ዓበይቲ መርሃ ግብሪታታ ክሳተፉ ፃዉዒት ኣቕሪቦም፡፡

 

ብመራኦል ከድር

Comments (0)
Add Comment