ዓበይቲ ዓዲ ጉጅለ ህወሓት ካብ መፈለምትኡ ኣፈላላይ ብሰላም ንክፍትሑ ምንም ዓይነት ባህጊ ኣይነበሮን ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓበይቲ ዓዲ ጉጅለ ህወሓት ካብ መፈለምትኡ ኣፈላላይ ብሰላም ንክፍትሑ ምንም ዓይነት ባህጊ ኣይነበሮን ኢሎም።

ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ናብ ትግራይ ንዕርቀ ሰላም ተጓዒዞም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ኣብ ክልል ሱማሌ መራሒ ጎሳ ዝኾኑ ጋራድ ኩልሚዬ፥ ህወሓት ኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሓሉ ዘበን ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ ኣይፈልጥን ክብሉ ገሊፆም።

ባዕሎም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ክልል ሶማሌ ከም ኣብነት እንትሕብሩ፥ እቲ ክልል ብውክልና/ሞግዚት ምምሕዳር ይመርሕ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ክብሪታት እዛ ሃገር ብሙሉኡ ዘፍረሰ እቲ ጉጅለ ህወሓት ብሕጊ ተመራሕ እንትበሃል ናብ ጥፍኣት ምኻዱ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ንዕርቀ ሰላም ኣብ ዝኸድናሉ ምዕዛብ ዝተኽኣለ፥ ህወሓት ፀረ ሰላምን ንህዝቢ ትግራይ እውን ዘይረብሕን ምዃኑ ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ስርዓት ሽምግልና ክልል ኣምሓራ ሊቀ ሕሩያን በላይ መኮንን ብግደኦም ኣብቲ እዋን ናብ ክልል ትግራይ ካብ ዝተጓዓዙ ሓደ ኢዮም።

ኣብቲ እዋን ፓትሪያሪክ ሓዊሱ ዓበይቲ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኡጋሳት፣ ኣሚራትን ኣባገዳታትን ከምኡውን ፍሉጣት ሰባት ዝሓወሰ ጉጅለ ናብ ክልል ትግራይ ንዕርቀ ሰላም ተጓዒዙ ከምዝነበረ ኣፍሊጦም።

ዕላምኡውን ኣብ መንጎ ህወሓትን ማእኸላይ መንግስቲን እናተኻረረ ዝመፅአ ኣፈላላይ ንምፅባብን ብሽምግልና ምቅርራብ ንምፍጣርን ከምዝነበረ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ህወሓት ኣብቲ እዋን ናብ መቐለ ንዝተጓዓዙ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ኣኽብሮት ንዘይምሃብ እወንታዊ ኣቀባብላ ከምዘይተገበረሎም ኣዘኻኺሮም።

መቐለ እንትበፅሑ ካብ ተፍቲሽ ጀሚሩ ብዙሕ ምንግልታዕ ብምሕላፍ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ እኳ እንተበፅሑ ጉጅለ ህወሓት ንዕርቀ ሰላም ባህጊ ዘይምርኣዩ ኣረጋጊፆም።

“ሐዚ እዋኑ ሓሊፉ ኢዩ፣ ምስረፈደ ኢዩ መፂኹም” ብምባል ነቶም ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ክብሪ ብዘይምሃብ ከምዝመለስዎም ሊቀ ሕሩያን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment