ዓበቕ ህበይ ብማእኸላይ ብርኪ ስግኣት ዓለም ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓበቕ ህበይ ብማእኸላይ ብርኪ ስግኣት ዓለም ከምዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

እቲ ቫይረስ ንከቢድ ሕማም ተቓላዕቲ ናብ ዝኾኑ ህፃናትን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ናብ ዝተዳኸመ ክፋላት ሕብረተሰብን ድሕሪ ምልብዑ ኢዩ ከምዚ ተባሂሉ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 26 ግንቦት 2022 ጀሚሩ 23 ሃገራት ብድምሩ 257 ብቫይረስ ዓበቕ ህበይ ዝተትሓዙ ሰባት ሪፖርት ከምዝገበሩ ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሳብ ሐዚ ዝሞተ ሰብ የለን።

ከም ኣገላልፃ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ቫይረስ ተመሓላለፊ ብምዃኑ ክሳን ሐዚ ኣብ ዘይተርኣየሎም ሃገራት እውን ኣብ ቀፃሊ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ ክብል ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

 

Comments (0)
Add Comment