ዓቕሚ ምፍራይ ኩለን ፋብሪካታት ሲሚንቶ 85 ሚኢታዊ ክኸውን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቕሚ ምፍራይ ኩለን ፋብሪካታት ሲሚንቶ ካብ 1ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ 85 ሚኢታዊ ከምዝኸውን ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ምስ ኣፍረይቲን ኣከፋፈልቲን ሲሚንቶ ኣብ ዕድጊትን ዝርገሐን ሲሚንቶ ዝረኣዩ ፀገማትን ትኹረት ዘድሊዮም ጉዳያትን ኣድሂቡ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው ከምዝበሉዎ፥ ዓቕሚ ምፍራይ ኩለን ፋብሪካታት ሲሚንቶ ካብ 1ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ 63 ሚኢታዊ ናብ 85 ሚኢታዊ ክብ ንምባል ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሓፂነ መፂንንኮንስትራክሽንን ኣይተ ዮሃንስ ድንቃየሁ ብግደኦም፥ መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ትኹረት ብመሃብ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕን ዓቕሚ ምፍራይ ብምዕባይን እቲ ዓውዲ ንኢኮኖሚ ሃገር ዘበርክቶ ብፅሒት ብዘሐሸ መጠን ክቕፅል ንምግባር ክስራሕ ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment