ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎም መብርሂታት፥ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተጣይሹ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዘለዉ መሓንቓት ናይ ምፍታሕ ስራሕ ክካየድ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ሸርፊ ወፃኢ፣ ቀረብ ሓይሊ ኤሌከትሪክን ካልኦት ፀገማትን ዝተፈለዩ እንትኸውን፥ ነቶም ፀገማት ንምቕራፍ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ንኣብነት ሎሚ ዘበን ጥራሕ ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝቐረበ ቀረብ ሓይሊ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ50 ሚሊኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ኣብሪሆም።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ሕቶ ቀረብ ዝነበሮ ፍሪያት ስሚንቶ እውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሰደድ ወፃኢ አውን ምቕራብ ዘኽእል ዓቕሚ ይፍጠር ኣሎ ኢሎም።
ናይ ኢንዱስትሪታት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ 61 ሚኢተታዊ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ 55 ሓደሽቲ ፋብሪካታት ስራሕ ከምዝጀመራ ገሊፆም።