ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መዝገብ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝምስክሩ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ኣቕሪቡ ጭብጢ ኣመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መዝገብ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝምስክሩ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ኣቕሪቡ ጭብጢ ኣመዝጊቡ።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ቀቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ኣራዳ ታረኛ መጋባእያ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ቅድሚ ሕዚ ቤት ፍርዲ ኣብ መበል 3ይ፣ 13ን 14ን ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ዳግም ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ንኽግበረሎም ዘቕረቡዎ ስምዕታ ስዒቡ፤ ተወካሊ ምምሕዳር እሱራት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ቀሪቡ መብርሂ ብዘይምሃቡ ተኣሲሩ ንኽቐርብን ብመሰረት ዝሃቦ ትእዛዝ ተኣሲሩ ቀሪቡ።

እቶም ተወካሊ ተጠርጠርቲ ናይ ፌዴራል እሱራት ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ንግዘኡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኮሚሽን ፖሊስ ኣበባ ከምዝፀንሑ ኣብሪሆም።

ይኹን እመበር ኣብቲ ዘለዉዎ ኮይኖም እውን ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተገበረሎም ኣብ መብርሂኦም ኣገንዚቦም።

ንምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ ድማ ትእዛዝ ከምዘይበፅሖም ገሊፆም።

ቤት ፍርዲ ብግድኡ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ድጋሚ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ንኽግበረሎም ትብቂ ትእዛ ሂቡ።

እዙይ ተፈፃሚ እንተዘይኮይኑ ግና ቤት ፍርዲ ቅፅት ከምዘመሓላልፍ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዝተረፉ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ምቕራቡ ብምግላፅ ሽም መሰኻኽር ኣመዝጊቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment