ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈፀሙ ገበናት ቀጥታ ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ቀዳማይ መዝገብ ምርመራ ከፊቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማይ ካድራ ብዝተፈፀሙ ገበናት ን229 ሞት ዜጋታት፣ ን10 ደቂ ኣንስትዮ ምድፋርን ን285 ጉድኣት ኣካልን ቀጥታ ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ቀዳማይ መዝገብ ምርመራ ከፊቱ።

ዓቃቢ ሕጊ ነዚ ዘሓበረ ልዕሊ 30 ተጠርጠርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ንራብዓይ ግዘ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ኢዩ።

ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ጉጅለ ምርመራ ገበን ምርመሩኡ ምዝዛሙን መዝገብ ምርመራ ንዓቃቢ ሕጊ ከምዘረከበ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ዓቃቢ ሕጊ እውን እቲ መዝገብ ምርመራ ተረኪቡ ካሊእ መዝገብ ቁፅሪ 2200760 ቀዳማይ መዝገብ ምርመራ ምኽፋቱ ገሊፁ።

ተጠርጠርቲ ኣብ ማይ ካድራ ን229 ዜጋታት ሞት፣ ን285 ጉድኣት ኣካልን ብብሄሮም እናተፈለያ ዝተደፈራ 10 ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ኣብ ምዕናው ብር 7 ቢሊየን ንብረት መንግስቲን ውልቀን ተሳትፎ ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ገጀራ፣ ካራን መሳርሒታት ኲናትን ብመሓዝ ተሳትፎ ከምዝነበሮም ኢዩ ዓቃቢ ሕጊ ኣብሪሁ ዘሎ።

ኣብዚ ገበን ብምልዕዓል ዝተሳተፉ ኣለዉ ዝበለ ዓቃቢ ሕጊ፥ በቲ ዝተኸፈተ መዝገብ ቅድመ ምርመራ ተጠርጠርቲ ልዕሊ 15 ዓመት ዘቕፅዕ ገበን ዝተጠርጠሩ ስለዝኾኑ ዋሕሶም ውድቂ ተገይሩ ኣብ ቤት ህንፀት ንኽፀንሑ ሓቲቱ።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ብግደኦም፥ ቅድሚ ሕዚ ቤት ፍርዲ ተሳትፎኦም ተፈሊዩ ይቕረብ ኢሉ ኣብ ዘኣዘዘሉ ኩነታት ተሳትፎኦም እንተይተፈለየ መዝገብ ቅድመ ምርመራ ምኽፋቱ ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ተኻቲዖም።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ ድማ ብስነስርዓት ገበን 63/1 መሰረት ብምግባር ተጠርጠርቲ ሕቶ ዋሕስ ብምግባር ኣብ ቤት ህንፀት ንኽፀንሑ ኣዚዙ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment