ዓምዩቕ ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብምልማዕ ንሃገራዊ ምዕባለን ቀጣናዊ ርክብን ክነውዕሎ ይግባእ-ኢ/ር ክፍሌ ሆሮ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ዓምዩቕ ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብምልማዕ ንሃገራዊ ምዕባለን ቀጣናዊ ርክብን ክነውዕሎ ይግባእ ክብሉ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ገሊፆም።

ኢንጂነር ክፍሌ ግድብ ህዳሰ እንትኽንበት ዝህልዎ ሃገራዊን ቀጣናዊን ረብሓ ኣብሪሆም።

እቲ ግድብ ካብ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ኣብ ዓመት ክሳብ 1 ቢሊየን ዶላር ዝበፅሕ ኣታዊ ከምእትረክብ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ካብ ማይ ጥራሕ ክሳብ 45 ሺሕ ሜጋ ዋት ኤሌክትሪክ ምፍልፋል እትኽእል ሃገር ከምዝኾነት እወን ኣብሪሆም።

ሓይሊ ሃፋ፣ ፀሓን ንፋስን ምፍልፋል ዘኽእለ ዓምዩቕ ሃፍቲ ከምዘለዋ ድማ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ዓምዩቕ ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብምልማዕ ንሃገራዊ ምዕባለን ቀጣናዊ ርክብን ክነውዕሎ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment