ዓመታዊ ጉባኤ ምርምር ሓድጊታት ኢትዮጵያ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈላማይ ዓመታዊ ጉባኤ ምርምር ሓድጊታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፣ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርት ቀጀላ መርዳሳ፣ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሙሁራንን ተወከልቲ ትካላትን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም።

ነቲ ጉባኤ ብዕሊ ዘጀመራ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናኒሴ÷ ምድረ ቀደምት ዝኾነት ኢትዮጵያ ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድጊታት ዝወነነት ከምዝኾነት ገሊፀን፡፡

“ብዝተፈላለዩ መገዲታት ተሓሊዮም ኣብዚ ዝበፅሑ ሓድጊታት ንሕና እውን ንዘበንና ብዝምጥን መልክዑ ብምምዝጋብ፣ ብምክንኻንን ብምልማዕን ንዝቕፅል ትውልዲ ክነመሓላልፍ ይግባእ” ኢለን።

እተን ሚኒስትር ካብዚ ብተወሳኺ÷ “ሃገርና ብመንፅር ዘለዋ በዝሒን ዓይነትን ሓድጊ ክለምዑ ዝኸኣሉ ውሑዳት ጥራሕ ብምዃኖም እቶም ሓድጊታት ንልምዓት ቱሪዝም ብዘይምጥቃምና ሃገርና ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ኣታዊ ስኢና ኢያ” ክብላ ገሊፀን፡፡

ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ግን መንግስቲ ሓድጊታት ንምክንኻንን ንምልማን ዘለዎ ቆራፅነት ዘርእዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣመልኪተን።

ብምንተስኖት ሙሉጌታን ኣሸናፊ ሽብሩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment