ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ፅባሕ ብኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 36 ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ፅባሕ ብኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ከምዝጅመር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ብዝተመርሐ ልኡኽ ከምትሳተፍ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ 51 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ጉጅለ ልኡኻት ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

ፅባሕ ካብ ዝጅምር መበል 42 ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ሕብረት÷ ብብርኪ ቀዋሚ ልኡኽ ልዝባት ከምዝተጀመሩ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ መግለፂኦም ተዛሪቦም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment