ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ናብ ከተማ ኣኽሱም ዝኸዱ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይግበረሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ኣኽሱም ንምስታፍ ብኹሉ ኣንፈት ናብታ ከተማ ዝውሕዙ ዘለዉ ኣጋይሽ ስነ-ስርዓት ምሕፃብ እግሪ ይግበረሎም ኣሎ።

ኣብቲ ብዝለዓለ ድምቀት ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር ዘሎ ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምስታፍ ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ስነስርዓት ምሕፃብ እግሪ ይካየደሎም ኣሎ።

እቲ ስነስርዓት ካብ ቀደም ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሕፅበት ድማ ናብዚ ዝተቐደሰ ስፍራ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ብኽብሪ ተቐቢልካ ኣኽቢርካ ምስናይ ከምዝኾነ ይግለፅ።

እቶም ኣጋይሽ ድሕሪ እግሮም ምሕፃብ ንከዕርፉሎም ተባሂሉ ናብ ዝተሰርሑ ዳሳት ኣምሪሖም።

Comments (0)
Add Comment