ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዓሌት ዴልታ ኮቪድ-19 ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቁፅሪ ብለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ፣ ብፅኑዕ ዘሓመሙን ህይወቶም ዝሓለፉን ዜጋታት ብልዑል ብርኪ ምውሳኹ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።
እዚ ድማ እቲ ለበዳ ካብ ዝተረኣየሉ እዋን ጀሚሩ ዝለዓለ ቁፅሪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ሕዚ ኣብታ ሃገር ተራኢዩ ዝተብሃለ ዓሌት ዴልታ እውን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ክልተ ዕፅፊ ብቕልጣፈ ናይ ምስፍሕፋሕ ባህሪ ከምዘለዎ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።
ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት ክታበት ኮቪድ-19 ምኽታብን መምርሒታት መከላኸሊ ምኽታልን ከምዝግበኦም ኣገንዚበን።
በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዝግበሩ ዕድጊታት ብልዑል ጥንቃቐ ክሳለጡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።