ዓለም ኣብ ቀፃሊ ክውላዕ ንዝኽእል ለበዳ ሕማም ብዘሐሸ መልክዑ ክትዳሎ ኣለዋ – ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ኣብ ቀፃሊ ክውላዕ ንዝኽእል ለበዳ ሕማም ብዘሐሸ መልክዑ ንባዕላ ክተዳሉ ከምዝግባእ ዋና ዳይሩክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣተሓሳሲቦም።

ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መዓልታዊ መግለፂ፥ ሃገራት ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ትኹረት ብምግባር መዋእለ ንዋየን ከፍስሳ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ንፈለማ እዋን ኣብ ግዝኣት ቻይና ከተማ ዉሃን ዝተወለዐ ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ መላእ ዓለም ተላቢዱ ዛጊድ ድማ ልዕሊ 27 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ኢዮም።

ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝፍጠር ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 888 ሺሕን 326 ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዘሓለፈ እውን ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለምና ዝተርኣየ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ናይ መወዳእታ ኣይኮነን ኢሎም።

“ካብ ታሪኽ ምምሃር ከምዝከኣል ምውላዕ ተላበድቲ ሕማማት ኣብ ውሽጢ ናብራ ደቂ ሰባት ዘሎ ሓቂ ኢዩ” ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ፥ “ስለዝኾነ ድማ ዓለም ኣብ ቀፃሊ ክውላዕ ንዝኽእል ለበዳ ሕማም ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብዘሐሸ መልክዑ ክትዳሎ ኣለዋ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ reuters.com

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment