ዓለም ንዅናት እተጥፈኦ ሃፍቲ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምፅዋር ክተውዕሎ ኣለዋ – ፕሬዚዳንት ሉላ ዳ ሲልቫ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ዓለም ንዅናት እተጥፈኦ ሃፍቲ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምፅዋር ክተውዕሎ ኣለዋ ክብሉ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ገሊፆም።

ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ይቕፅል ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት ሉላ ዳ ሲልቫ÷ መራሕቲ ዓለም ሰላም ኣብ ምፍጣርን ክሌማዊ ለውጢ እናስዐቦ ዝርከብ ፅዕንቶ ንምፅዋርን ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እናኸፍአ ዝመፅእ ዘሎ ጉዳይ ክሌማዊ ለውጢ መራሕቲ ዓለም ከተሓሳስቦም ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ልዑል ኣውሎ ንፋስ፣ ድርቂን ውሕጅን ከምኡ እውን ልዑል መጠን ዘለዎ ንፋስ ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም እናተደጋገመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ሰላም ብፍጣር ንዅናት እተጥፈኦ ሃፍቲ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምፅዋር ምውዓል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ እናሰፍሐ ዝመፅአ ኲናት ጠጠው ክብል ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ ብፍላይ እስራኤልን ሂዝቦላህ እቲ ጎንፂ ከይበኣኣስ ኣብ ምግባር ሰፊዕ ዕድል ኣለዎም ኢሎም፡፡

ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ብግደኦም÷ ኣብ ጋዛ ብዝካየድ ኲናት ንፁሃን ግዳያት ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ እቲ ጎንፂ ብሰለማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ሓቲቶም፡፡

ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ድማ÷ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ኲናት ጠጠው ንምባል መራሕቲ ዓለም ፅዕንቶ ንኽፈጥሩ ፀዊዖም።

እቶም ፕሬዚዳንት “ውሕመ ክሕልዎ ኢየን ዝብሎ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጋዛ ክፍፅሞ ኣይከኣለን፤ ህፃናት ኊሹ ንፁሃን ይረግፉ ኣለዉ” ክብሉ ኮኒኖም፡፡

Comments (0)
Add Comment