“ዓለም ናብ ገሃነም ትቕየር ኣላ” – ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግብፂ ሻርም ኤል ሸክ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 27 ጉባኤ ለውጢ ንብረት ኣየር፤ “ዓለም ናብ ገሃነም ትቕየር ኣላ” ክብሉ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ገሊፆም።

ለውጢ ንብረት ኣየር ናስዐቦ ዝርከብ ሓደጋ ኣብ ዝምልከት ዓለም ካብ ብሕዚኡ ምንካይ መጠን ምልቃቕ ካርበን ወይ እውን ለውጢ ንብረት ኣየር ዘስዕቦ ጥፍኣት መፃኢ ወለዶ ናይ ምኩናን ክልተ ኣማራፂታት ኣለዉዋ” ኢሎም፡፡

ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ “ሰባት ለውጢ ንብረት ኣየር ንምግታእ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ወይ እውን ብሓባር ናይ ምጥፋእ ኣማራፂ ኣለዎም” ክብሉ ተሰሚዖም።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ መብርሂኦም÷ በካሊ ጋዝ ካብ ዘፈልፍሉ ኣማራፂታት ናብ ሓምለዋይ ኣማራፂ ሓይሊ ዝግበር ስግግር ንምቅልጣፍ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ኣብ ምልማዕ ምስ ዝርከባ ሃገራት ጥምረት ከጣይሻ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment