ዓለም ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ልዑል ናይ ጥምየት ስግኣት ኣንፀላሊዩዋ ኣሎ – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ካብ 135 ክሳብ 250 ሚሊየን ሰባት ናይ ጥምየት ስግኣት ኣንፀላሊዩዎም ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ፕግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቤስሌይም፥ ብጥምየት ምኽንያት ክፍጠር ዝኽእል ልዑል ቅልውላው ንምጥፋእ ቅልጡፍ ስጉምቲ የድሊ ኢሎም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝወፅአ ፀብፃብ ብጥምየት ምኽናያት ካብ 135 ክሳብ 250 ሚሊየን ሰባት ጉድኣት ክበፅሖም ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

ፕግራም ምግቢ ዓለም ስግኣት ጥምየት ዘንፀላለወን 10 ሃገራት፥ ብኢኮኖሚያዊ ቅልውላው፣ ብከባቢያዊ ለውጢ ኣየርን ብጎንፂን ፅዕንቶ ዝበፅሕን ሃገራት ከምዝኾና ኣፍሊጡ።

እተን ሃገራት ድማ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ የመን፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ቬንዜዌላ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳን፣ ሶሪያ፣ ናይጀሪያን ሃይቲን ምዃነን ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ፀብፃባት ከምዝሕብሩዎ እንተኾይኑ 61 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ምግቢ ቅልውላው ኣጋጢሙዎ ነይሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment