ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ልኡኽ መሻርኽቲ ትምህርቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

አዲስ አበባ፣ የካቲት 30፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ልኡኽ መሻርኽቲ ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛካይዱ እንትኾኑ፥ ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ልኡኽ መሻርኽቲ ትምህርቲ ሚስስ ኣሊስ ኦልብራይትናን ነቶም ኣባላት ተቐቢሎም ኣዘራሪበሙዎም።

ኣባላት ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ልኡኽ መሻርኽቲ ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ባንኪ ዓለም፣ ማሕበር መምህራን ኢትዮጵያን ኣመራርሓ ዓውዲ ትምህርቲን ብምርኻብ ክላዘቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሃፍቲ ብምትእኽኻብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኻልኦት ኣብ ከይዲ ምዕባለ ዘለዋ ሃገራት ብዓውዲ ትምህርቲ ልዑል ደገፍ ዝገብር ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment