ዓለም ለኻዊ ኩነታት ድሕንነት ንድሕንነት ኢትዮጵያ ዘለዎ ረብሓ ብዝምልከት ዘተ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እዋናዊ፣ ዓለም ለኻዊን ዞባዊ ጂዶ ፖለቲካን ዓለም ለኻዊ ኩነታት ድሕንነት ንድሕንነት ኢትዮጵያ ዘለዎ ረብሓ ብዝምልከት ዘተ ይግበር ኣሎ።

ሓላፊ ዋና ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ብርጋዴር ጄነራል ቡልቴ ታደሰ ኣብ መደረኦም፥ እቲ ዘተ እዋናዊ፣ ዓለም ለኻዊን ዞባዊ ጂዶ ፖለቲካን ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ድሕንነት ብመፅናዕቲን ምርምርን ደጊፉ ንምርኣይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓላፍነት ንምውፃእ ዝዓለም ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ድሕንነት ሃገር ብዘላቕነት ንምሕላው ኣብ ዝስራሕ ስራሕ ትካላዊ ሓላፍነት ንምውፃእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ፖሊሲን ስትራቴጂን ግብፅን ናይልን፣ ፈተናታትን ስግኣትን ጂኦ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ጎንፂ ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ኩነታት ዝብሉ ሰለስተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምቕራብ ዘተ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብለይኩን ዓለም

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment