ዓለም ለኸ ፎረም ዲጂታል ጥዕና ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያይ ኣብ ዓለም ለኸ ፎረም ዲጂታል ጥዕና ትሳተፍ ኣላ።

እቲ መድረኽ “ግልጋሎት ዲጂታል ጥዕና ንኹሉ ብምብፃሕ ማሕበረሰብ ዲጂታል ጥዕና ንምህናፅን ቅልጡፍ መፍትሒ ግልጋሎት ጥዕናብመሃብ ዝኾነ ይኹን ንደሓር ከይተርፍ ምግባር” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተሳለጠ ዝርከብ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ፥ መንግስቲ ኢትጵያ ኣብ ውሽጢ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ ግልጋሎት ዲጂታል ጥዕና ንምዝርጋሕ ቁርፀኛ ከመዝኾነ ኣብቲ ፎረም ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንዲጂታል ኣሰራርሓ ትኹረት ክምትህብ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቅልጡፍ ስርዓት ግልጋሎት ጥዕና ንምዝርጋሕ እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

እቲ ኣሰራርሓ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ንምግባር ዘሎ ምቹው ኩነታትን ፃዕሪን ዝምልከት መብርሂ እውን ሂቦም።

እቲ መድረኽ ፅባሕ ዝዛዘም እንትኸውን፥ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታትን ሓለፍቲን እቲ ዓውዲ እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎገጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment