ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ግብርና ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘለዎ ተሳትፎ ኣጣናኺሩ ንክቕፅል ሚንስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ሓቲተን።
እተን ሚኒስትር ዴኤታ ብምክትል ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ግብርናን ሓላፊ ዲፓርትመንት ኣገልግሎት ኮርፖሬት ጉኪ ዉን ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲየን።
ጉኪ ዉ፥ ትካሎም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐረፀ ፖሊሲ ልምዓት ግብርናን ገፀርን፣ ተሳትፎ ፋይናንስን ውልቀ ሴክተርን ብምኽፋት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምምዕባል ዝተገበረ ምምሕያሽ ንኢዶም።
ትካሎም ኣብ ልምዓት ገፀርን ውሕስነት ምግብን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ እውን ኣብሪሆም።
ሚኒስትር ዴኤታ ሰመሪታ ብግደአን፥ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣይፋድን ልዕሊ 40 ዓማውቲ ዝፀንሐ ርክብ ኣዘኻኺረን።
እቲ ፈንድ ኣብዚ ሐዚ እዋን 240 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ዝተገበረሎም ፕሮጀክትታት ኣብ ምትግባር ከምዝርከብ ገሊፀን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።