ዓለም ለኸ ጉጅለ ወሃብቲ ክረምታዊ ናፃ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ዙር ዓለም ለኸ ጉጅለ ወሃብቲ ክረምታዊ ናፃ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጥዕና ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

26 ናፃ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህቡ ህንዳውያን ዝሓዘ ጉጅለ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሚኒስቴር የመላኽት።

እቶም ህንዳውያን ብምትሕብባር ሮተሪ ኢንተርናሽናል ናይ ኣዲስ ኣበባ ክለብ፣ ብሮተሪ ኢንተርነሽናል ቻንዲጋር ክለብን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግሩፕ ከምዝመፅኡ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ውሃቢ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ሆስፒታል ሚሊኒየም ሜዲካል ኮሌጅ ቅዱስ ጳውሎስ፣ ሆስፒታል ኣለርትን ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳን ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና መጥባሕቲ ከምዝወሃብ ተሓቢሩ።

ኣካል ክረምታዊ ወለንታ ዝኾነ ኣገልግሎት ናፃ ምርመራ ሕክምና ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩሎም ትካላት ጥዕና ከምዝተጀመረ ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment