ዓለም ለኸ ወጥሪ ቁጠባዊ ሃፍቲ እንተዘይሃዲኡ ኣፍሪካ ንጉድኣት ክትቃላዕ ኢያ – ኣይ ኤም ኤፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣሜሪካ ናብ ክልተ ቦታ ተኸፊሉ ዝተኻረረ ወጥሪ ቁጠባዊ ሃፍቲ እንተዘይሃዲኡ ኣብ ኣፍሪካ ጉድኣት ቁጠባዊ ሃፍቲ ከብፅሕ ከምትኽእል ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ ኤም ኤፍ) ኣጠንቂቑ።

ኣይ ኤም ኤፍ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ÷ “ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ማእኸል ዝገበረ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ እናተበኣኣሰ እንተኸይዱ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘእትዉዎም ፍርያታት ልዑል ወሰኽ ዋጋ ክረአ ይኽእል ኢዩ” ኢሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ቀንዲ ገበያ ወፃኢ ንግዲ እተን ሃገራት ካብ ዓለም ለኸ ምትእስሳር ንግዲ ብኽፋል ክወፅእ ከምዝኽእል እቲ ትካል ስግኣቱ ገሊፁ፡፡

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ድሕሪ 10 ዓመታት ሓፈሳ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያተን ብ4 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኽእል እውን ብሉምበርግ ፀብፂቡ፡፡

ናብቲ ዞባ ዝኣቱ ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ እውን ክሳብ 10 ቢሊየን ዶላር ክንኪ ከምዝኽእል እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ፡፡

ኣይ ኤም ኤፍ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራ ናይ እግሪ ናይ ምትካል ዓቕመን ንኽሃንፃ ምኽሪ ሓሳብ ኣቀሚጡ፡፡

እዚ ንምዕዋት ድማ ዝተጀመረ ዞባዊ ምትእስሳር ምጥንኻር ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ሃገራ ኣፍሪካ  ካብ ወፃኢ ብዘእትዉዎም ፍርያታት ፅግዕተኛ ካብ ምዃን ተናጊፈን ናይ ባዕለን ዕዳጋ ፋይናንስ ክሃንፃን ከጠናኽርን ከምዝግባእ ኣይ ኤም ኤፍ ኣተሓሳሲቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

Comments (0)
Add Comment