ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ህፁፅ ግዘን ንሆስፒታላት ዝውዕል ምግቢን ኣቑሑት ሕክምናን ብሓገዝ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ መቐለ፣ አዓብደል ራፊዕ፣ ዓዲግራትን ሽሬ እንዳስላሰን ንዝርከቡ 9 ሺሕን 125 መራሕቲ ስድራ ሓገዝ ህፁፅ እዋን ከምዝገበረ ገሊፁ ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ ንመፅለሊ ዝኸውን ፕላስቲክ፣ ኮቦርታ፣ ናይ መደቀሲ ምንፃፋትን ካልኦት ህፁፃት ሓገዛትን ንተመዛበልቲ ከምዝቐረበ ገሊፁ።

ኣብ ከተማታት ዓዲ ግራት፣ ዓድዋ፣ ኣኽሱምን ሽረን ዝርከባ ሸሞንተ ሆስፒታላት ዝኸውን ምግቢን ኣቑሑት ሕክምናን ከምዘከፋፈለ እውን እቲ ኮሚቴ ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝገለፀ እንትኸውን፥ ብካልኦት ኣካላት ዝግበር ሓገዝ ክብ ንኽብል እውነ ፀዊዑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment