ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ዘውፅኡዎ መግለፂ ፖለቲካዊ ድሌት ዝተሓንገጠ ኢዩ – ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን  

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ዘውፅኡዎ መግለፂ ፖለቲካዊ ድሌት ዝተሓንገጠ ከምዝኾነ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት÷ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ንኽስድ ምሕታቶም ይዝከር።

እቲ ኤምባሲ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሽም ጎንፂ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት ንምፅራይን ምስቲ ጉዳይ ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ቆራፅ ከምዝኾነ ምግላፁ ኣዘኻኺሩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ነዚ ዝከታተልን ብሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ውሕመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር ዝገበሩዎ ምርመራ ስዒቡ ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት ዝትግብር ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ክዝተጣየሸ ኣብሪሁ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ድማ ኣብ ዝተፈፀሙ ጥሕሳሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ብምፅራሕ፤ እዚ ንምዕዋት ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፁ።

ይኹን እምበር ቤት ምኽሪ ሰባኣዊ መሰላት ውሕመ ነዚ ብዝፃረር መልክዑ ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ጎንፂ ተተሓሒዙ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ዘፃሪን ዝምርምርን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኽጣየሽ ውሳነ ከምዘሕለፈ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ “እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ንምዕራፍ ዝጥቀመሉ መሳርሒ ኢዩ” ብዝብል ከምዝተቓወሞ ብምሕባር÷ እቲ ቤት ምኽሪ እናተገበረ ንዝርከብ ፃዕሪ ኣፍልጦ ክህብ እምበር ምንእኣሱ ግቡእ ከምዘይኮነ እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለፂኡ ኣግዚቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment