ዓለም ለኸ ኦዲት ድሕንነት ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኦዲት ድሕንነት ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

ብሰብ ሞያ ኦዲት ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል አቪዬሽን/ኣይ ሲ ኤ ኦ/ ዝካየድ እቲ ኦዲት፥ ድሕሪ 12 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኢዩ ዝካየድ ዘሎ ተባሂሉ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተርና ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትንን ኣካቢ ኮሚቴ ሴኪዩሪቲ ሲቪል አቪዬሽንን ሲሳይ ቶላ፥ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል አቪዬሽን/ኣይ ሲ ኤ ኦ/ ሓቢራ ብምስራሕ ብዙሕ ዓመታት ኣቑፂራ ኢያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዓውዲ ኣቪዬሽን ከብ ንምባል ኣብ 1944 ዓ.ም.ፈ ኣብ መንጎ 52 ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕነት ቺካጎ ክታማ ብምንባር ካብ ኣፍሪካ ፈላሚት ሃገር ከምዝኾነት እውን ኣዘኻኺሮም።

ካብቲ እዋን ጀሚራ ነቲ ዓውዲ ንምምዕባል መስቲ ትካል ብምትሕበባር ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ድሕንነት ኣቪዬሽን ንምሕላው ምስ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን መገዲ ኣየራት ብምዃን ዝተጠናኸረ ስራሕ ትሰርሕ ከምዘላ እውን ኣብሪሆም።

ነዚ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ መረጋገፅቲ ድሕንነት ብምዃን ስራሕቲ ክስርሑ ከምዝፀንሑ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እቲ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ኦዲት ዘለናሉ ብርኪ ብምግምጋም እወንታዊ ተግባራት ንምጥንኻር ድኽመታት ንምምሕያሽ ከምዘኽእል ተዛሪቦም።

ብምስክር ስናፍቅ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment