ዓለም ለኸ ትካላት ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ንኽገብሩ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካላት ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ግፍዒ ዝፈፀመሎም ዜጋታት ብምድጋፍ ኣብ ጎኖም ከምዝኾኑ ከርእዩ ከምዝግባእ ርእሰ መምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ኣገንዚቦም።

እቶም ርእሰ መምሕዳር ምስ ሓላፊት ቢሮ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ማርሲ ቪጎዳ ተዛቲዮም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረራ ብምፍፃም ሰብኣዊን ንዋታዊን መጥቃዕቲ እናፈፀመ ከምዝኾነ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብሪሆም።

ንፁሃን ዜጋታት ብዘስካሕኽ ኩነታት እናቐተለን እናባሰረረን ይርከብ ዝበሉ ኣይተ ኣገኘሁ፥ ልዕሊ 550 ሺሕ ዜጋታት ክመዛበሉ ገይሩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ሃገር ንምፍራስ ዝገብሮ ተግባርን ኣብ ዜጋታት ዘብፀሖ መጥቃዕቲን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክግንዘብ ከምዝግባእ ገሊፀም።

በቲ ጉጅለ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምቕራብ ጀሚሩ ኣብ ጎኑ ከምዝኾኑ ብተግባር ከርእዩ ከምዘለዎም ምሕታቶም እውን ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment