ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ሕብረት ኣስትሮኖሚካል ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 386 ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ሕብረት ኣስትሮኖሚካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ሲምፖዚየም÷ “ፀሊም ሰማይን ሓድጊታት ስነ-ፈለክን ኣስትሮ ቱሪዝም ንምድንፋዕ ዘለዎም ግደ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ካብ ኣፍሪካ፣ እስያንና ኣውሮፓን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ዓለማት ዝመፅኡ ዓለም ለኸን ሃገር ለኸን መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ኣብቲ ሲምፖዚየም እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ሲምፖዚየም ዝተሰናደአ÷ ብዓለም ለኸ ሕብረት ኣስትሮኖሚካል፣ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን፣ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒስቴር ቱሪዝምን ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment