ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ብልክዕ ብምግንዛብ ፍትሓዊን ሚዛናዊን ዝኾነ ሓገዝ ክገብር ይግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ፀዊዖም።
ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትር ምክልኻልን ኣየርላንድ ስምዖን ኮቨኒ ኣብ ኒው ዮርክ ተዛቲዮም።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህወሓት ኣጠናኺሩ ዝቐፀሎ እኩይ ተግባር ስዒቡ ብወገን መንግስት ኣብ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ዝቐርቡ ተደጋጋሚ ክሲታት መበገሲኦም ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብትኅክል ካብ ዘይምርዳእ ዝፍልፍል ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ጥፍኣት ህወሓት ናይ ብኣዋርሕ ዕደርመ ጥራሕ ዝምዘን ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነበሩ ብዙሓት ሞት ዜጋታት ግብረ ራዕዲ እናዋፈረ፣ እናደገፈን ወፍሪ እናሃበን ከምዝነበረ ብዝርዝር ኣብሪሆም።
መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሉኣላውነትን ሃገርን ድሕንነት ዜጋታትን ንምሕላው ኣብ ዝወስዱዎም ሕጋዊ ስጉምቲታት ሚዛናዊነት ዝጎደሎ ኣግባብ ምርዳእ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ምርሓቕ ከምዝኾነ ገሊፆም።
“ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፀገማት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከምኡ እው ፈተውቲ ሃገራት ዘለወን ግንዛበ ፍትሓዊን ሚዛናዊን ንኽኸውን ንደሊ ኢና” ኢሎም ኣይተ ደመቀ።
መንግስቲ ብስምዒት ሓላፍነት ዝወስዶም ኣማራፂታት ሰላምን ሕጋዊ ስጉምቲታትን ስዒቡ ተደጋጋሚ ክሲታት ከምዝቐረቡ ኣብሪሆም።
እቶም ዝቐርቡ ክሲታት ተቐባልነት ዘይብሎምን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ርክብ ዝጎድኡን ከምዝኾኑ እውን ኣገንዚቦም።
መንግስቲ ኣየርላንድ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝሃቦ ትኹረት ብምንኣድ፥ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ፍትሓዊን ሚዛናዊን ዝኾነ ሓገዝ ክገብር ከምዝግባእ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸበርናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።