ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣቕርቦት ሓገዝ ንዜጋታት ብኣግባቡ ንክባፃሕ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፅዕንቶ ንከሕድር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣቕርቦት ሓገዝ ንዜጋታት ብኣግባቡ ንክባፃሕ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፅዕንቶ ንከሕድር ተሓቲቱ

ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንዝደሊዮም ዜጋታት ክሳብ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ኣቕርቦት ሓገዝ ምውዛዕ ብዝምልከት መግለፂ ኣውፂኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ንምግባር ቅድሚ ምውሳኑ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ሓገዝ ንዘድሊዮም   4.9 ሚሊየን ዜጋታት ናይ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ናውቲታት ሓገዝ ኣብ ሰለስተ ዙር ምፍፃሙ ይዝከር።

ቅድም ክብል ብምትሕብባር መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ብዝነበሩ 6 ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላት እቲ ምክፍፋል ሓገዝ ቀፂሉ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።

እቲ ሓገዝ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ትማሊን ሎሚን ዝንተንቀሳቐሳ 152 መካይን ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ ኣስታት 500 ዝኾና መካይን ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ዱኽዒን፣ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታትን ፅዒነነን ናብ ትግራይ ከምዝተጎዓዛ ተገሊፁ።

ይኹን እንበር ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብተደጋጋሚ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ንጉድኣት ከምዝተዳረጉን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ዜጋታት ድማ ካብ ገዘኦም ከምዝተፈናቐሉን ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሓገዝ ፅዒነን ናት ትግራይ ዝኸዳ ተሽከርከርቲ ዘይምምላሰን ተሓቢሩ።

እዚ ብዝምልከት ማሕበረሰብ ዓለም ነባራዊ ኩነታት ብዝግባእ ብምግንዛብ ብምኽኒያት ኣሸባሪ ጉጅለ ዝተኣጓጎል ዘሎ ምክፍፋል ሓገዝ ንዜጋታት ብኣግባቡ ንክባፃሕ ግቡእ ፅዕንቶ ምዕራፍ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment