ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲ “ናታ መጥቃዕቲ ናተይ እውን ኢዩ፤ ስቕ ኣይብልን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፣ ም/ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዛሃራ ሁመድን ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬደዋ ፈትህያ ኣደንን ተረኺበን፡፡
ተግባር ምክልኻል ፆታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሓደ ትካል ጥራሕ ዘየኮነስ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፊነት ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ፡፡
”እቲ ፀገም ንምክልኻል እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት ለውጢ እናምፅኡ ይኹኑ እምበር ብመንፅር ስፍሓቱ ሕዚ እውን ዝተዋደደ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡
ዓለም ለኸ መዓል ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብብርኪ ሃገር ክሳብ 1 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ከምዝኽበር ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡