ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም “ቱሪዝም ንኹለመዳይ ምዕባለ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ኣድስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባበሪ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ፣ ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ኪነጥበባትን ቱሪዝምን ፋይዛ መሓመድ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ምምሕዳር ከተማን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቤት ማዘጋጃ እናተኸበረ ይርከብ።

ብብርኪ ዓለም ንመበል 42 ግዘ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 34 ግዘ ኣብ ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም፥ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 5 ጥቅምቲ ክኽበር ኢዩ፡፡

እቲ በዓል ኣብታ ከተማ ዝርከቡ መስሕባት ቱሪዝም ብምጉብናይ፣ ብምርኢት ጎደናታት፣ ስፖርት ቱሪዝምን ብዝተፈላለዩ ምድላዋትን ከምዝኽበር ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪ እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment