ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም እዚ ዓመት ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ ካብ 12 መስከረም ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር ተገሊፁ።
ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ኪነ-ጥበባትን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ፋይዛ መሓመድ፥ ብብርኪ ዓለም ንመበል 42 ግዘ ብኢትዮጵያ ንመበል34 ግዘ ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።
ለበዳ ኮቪድ-19 ዓውዲ ቱሪዝም ብልዑል ኩነታት ከምዘዳኸሞ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፥ እቲ በዓል ምኽባሩ በቲ ዓውዲ ዝተዳኸመ ኢኮኖሚ ንምንቕቐቓሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፀን።
“ቱሪዝም ንኩለመዳይ ምዕባለ!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝኽበር መዓልቲ ቱሪዝም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ቦታታት መስሕብ ቱሪዝም ብምጉብናይ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጎደናታት ምርኢታት ብምቕራብን ስፖርት ቱሪዝም ዝመሳሰሉ ምድላዋትን ብምቕራብ ፕሮቶኮል ለበዳ ኮቪድ-19 ብዘሓለወ መልክዑ ከምዝኽበር ምግላፀን ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።