ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብብርኪ ዓለም ንመበል 131 ግዘ ብኢትዮጵያ ድማ ንመበል 45 ግዘ ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል በቢዓመቱ 23 ሚያዝያ ዝኽበር እንትኸውን፥ ሰራሕተኛታት ዝገበሩዎ ቃልሲ ንምዝካር ዝኽበር ኢዩ።

እቲ በዓል ኣብ ኢትዮጵያ “ንባዕልናን ማሕበረሰብናን ካብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብምሕላው መፍረያይነትና ክንቅፅል ኢና” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ።

ናይ ሎሚ ዓመት በዓል መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብቫይረስ ኮሮና ምኽንያት ኣብ ኣደባባይ ከምዘይኽበርን ኩሉ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ዘኪሩዎ ከምዝውዕልን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment