ዓለም ለኸ መዓልቲ ልቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ልቢ “ልቢ ኣብ ተግባር ነውዕል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ።

እቲ ዕለት ማሕበር ልቢ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ጥዕና ብምትሕብባር ኢዩ ተኸቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 9ይ ግዘ ብብርኪ ዓለም ንመበል 25 ግዘ ኣብ ዝተኸበረ መዓልቲ ልቢ÷ ”ኩነታት ሕማም ልቢን ቡምባ ደምን ኣገልግሎት ሕክምናን” ዝድህስሱ መበገሲ ፀሑፋት ቀሪቦም ዘተ ተገይሩሎም።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና መሪሕ ፈፀሚት ስራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ዶ/ር ህይወት ሰለሞን÷ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ብብርኪ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘስዕቡዎ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፅንቲ ኣተሓሳሰቢ እናኾነ ምምፅኡ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ጥዑይ ዘይኮነ ኣመጋግባ፣ ሽኮርን ጨውን ኣብዚሕኻ ምጥቃም፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ባህሊ ዘይምግባርን ወልፊ ዘምፅኡ ነገራትን ተቓላዕነት ተመሓላለፍቲ ንዘይኮኑ ሕማማት ልዑል ንኽኸውን እናገበሩ ከመዝኾኑ ኣብሪሀን።

Comments (0)
Add Comment