ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኢትዮጵያ ንኽሕግዝ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኢትዮጵያ ንኽሕግዝ ተሓቲቱ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ሚኒስትር ዶክተር በለጠ ሞላ፥ ጄነቫ ኣብ ዝርከብ ቢሮ ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተረኺቦም ምስ ዋና ፀሓፊ እቲ ሕብረት ሆሊን ዣዎ ተዛቲዮም።

ቅድም ክብል ብመሰረት ዝተወሰነ ውሳነ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ቴሌኮም ንኽተተኣናግድ ምድላው ንኽትገብር ዕድል ዝተውሃባ እንትኸውን፥ እቲ ሚኒስቴር ዝወሰዶ ሃገራዊ ሓላፍነት ስዒቡ ብዙሓት ምድላዋት እናገበረ ምፅንሑ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ቅድሚ ኣዋርሕ ምስ ዝነበረ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ሓደ ሓደ ዓለም ለኸ ትካላት ሚዲያ ብዛዕባ ኢትዮጵያ በዘጋውሐኦ ዝተሰሓሓተ ምስሊን ፕሮፓጋንዳን ዝተወሰና ሃገራት ብዝሓዘኦ ቅዋምን እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝሃቦ ዕድል ኣልዒሉ ንካሊእ ሃገር ሂቡዎ።

እቲ ንፈለማ እዋን ንኣፍሪካዊት ሃገር ዝተውሃበ ዕድል ናብ ሩዋንዳ ዝተምሓላለፈ እንትኸውን፥ ሩዋንዳ እውን ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚራ እቲ ጉባኤ ክተተኣናግድ ኢያ።

እቶም ሚኒስትር እቲ ከይዲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ዝተውሃባ ዕድል ብዕዉት ኩነታት ንምስላጥ ብዙሓት ምድላዋት እናገበረት ከምዝፀንሐት ብምሕባር፤ ኣብቲ ከይዲ ልዑል ሃገራዊ ሃፍቲን ግዘን ከምዘውፀአትን በቲ ዝተወሰደ ውሳነ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ቅር ከምዝበላን ገሊፆም።

ይኹን እምበር ዝሓለፈ ከም መምሃሪ ወሲዱ እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ክኽሕስ ብዘኽእል ኩነታት ንቀፃሊ ንኢትዮጵያ ሂቡ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽገብርን ብተወሳኺ እውን ዝተፈላለዩ ቴክኒካዊ ሓገዛት ንኢትዮጵያ ንኽህብን ምሕታቶም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኻብናዮ ሓሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment