ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ አግሪ ንምትካል ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ አግሪ ንምትካል ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ኣሳሊጡ።

ብመሪሕነት ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ተፀዋዒ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ዝኾኑ ሸይኽ ሐጂ ኢብራሒም ቱፋ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ምስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምርካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር ጉዳያት ተዛቲዩ።

ኣብ ኣውሮፖዋና ዳይሬክተር  ኣሜሪካን ኣብቲ ሊግ ናይ ዋና ፀሓፊ ዶክተር ሙሐመድ ዓብዱል ከሪም ኣልጊሳ ሓጋዚ ዝኾኑ ዶክተር ዓብዱል ኣዚዝ ሰርሃን ዝተመርሐ ልኡኽ፥ ንሸይኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ ኢዩ እቲ ዘተ ተሳሊጡ።

ዶክተር ዓብዱል ኣዚዝ ሰርሃን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ እግሪ ንምትካልን ንሕብረተሰብ ደገፍ ንምግባርን ትልሚ ከምዝዘለዎም ሓቢሮም።

እቲ ዘተ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ምጥንኻርን ብምትሕብባር ምስራሕን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘተኮረ ከምዝነበረ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment