ዓለምለኸ መዳርግቲ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ሓገዝ ንክውስኽ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዳኒኤል እንድሪስ ዓለም ለኸ መዳርግቲ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርኦ ደገፍ ንክውስኽ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀዋሚ ልኡኽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ታየ ኣፅቀስላሴ ምስ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዳኒኤል እንድሪስ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ደገፍ ንዝደልዮም ዜጋታት እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተመያየጡ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገፆም ፅሒፎም።

ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዳኒኤል እንድሪስ ብግደኦም÷ ኤጅንሲታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዓለም ለኸ ትካላት ሓገዝን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ሰብኣዊ ድጋፍ ንክውስኹ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment