ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መበል 1 ሺሕን 444 በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም÷ “ዒድ ኣል ኣድሃ፣ ዓረፋ ህዝበ ሙስሊም ብልዑል ክብሪን ፍቕሪን ዘኽብሩዎ መስዋእትነት ዝዝከረሉ በዓል ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
እቲ በዓል ካብ ሓሙሽተ መሰረታት እስልምና ሓደ ዝኾነን ዝኾነ ይኹን ሙስሊም ናይ ገንዘብን ጉልበትን ዓቕሙ ክሳብ ዝፈቐደሉ እዋነ ኣብ ህይቱ እንተነኣሰ ሓደ ግዘ ናብ መካ ብምጉዓዝ ከሳልጦ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓጅ ስርዓት ዝካየደሉን ዝጠቓለሉን ዓብዪ ምዕራፍ ኢዩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም÷ “ኢትዮጵያውያን በዓል መስዋእትነት ኣብ ዝኽበረሉ እዚ ፍሉይ መዓልቲ ‹እንኳዕ ኣብፀሐኩም› ክበሃሃሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ንዓብዪ ጉዳይ ምፍታን፣ ንብርቱዕ ጉዳይ መስዋእቲ ንምዃን ምድላው ዓበይቲ ሰባት ዝፍፅሙዎን ታሪኽ ዝሰርሑሉን ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
“ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለዩ ፀገማት ገጢሞምዋ ይፈልጡ ኢዮም፤ ዝሕለፉ ዘይመስሉ ፈተናታት በቢእዋኑ የንፀላልዉዋ እምበር፤ እቶም ፀገማትን ፈተናታትን ታራ ብታራ ሓሊፋ ናብ ቅድሚት እናተጓዘት ትርከብ፤ መከራኣ ኣብ ዝበዝሐሉ እዋን እውን ዜጋታታ ናይ መወዳእታ መስዋእትነት ንምኽፋል ንደሓር ኣይበሉን” ኢሎም፡፡
ንኢትዮጵያ ኣብዚ ዘብፅሑዋ፣ ደቆም እንተይተረፈ ዝኸፈሉ ደቃ ምዃኖም ኩሉ ግዘ እናተዘከረ ዝነብር ድሙቕ ታሪኽና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ÷ ንምርግጋፅ ሰላም፣ ካብ ድኽነት ንምውፃእን ኢኮኖሚና ንምምዕባልን ኣብ ቃልሲ ንርከብ ኢሎም።
ብምዃኑ ተኒፅና ዘይኮነስ ተላዚብና፣ ተደፋፊእና ዘይኮነስ ተሓጋጊዝና ንሃገርና እንተሰሪሕና ዘጋጥሙና ፈተናታት ብዘይምንም ጥርጥር ብዓወት ክንዛዝሞም ኢና” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com