ዑደት ኣንቶኒ ብሊንከን መርኣያ ሕውነት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ናብ ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ምሽግጋር  ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዑደት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መርኣያ ሕውነት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ናብ ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ንምሽግጋር  ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ እቶም ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምልዛቦም ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ዝኸውን 331 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዕላዊ ከምዝገበሩ እቶም ኣቐባሊ ቃል ተዛሪቦም።

እቲ ከይዲ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን መንግስቲ ኣሜሪካ ኩለ መዳይ ደገፍ ምግባር ከምዝደሊ ምግላፆም ሓቢሮም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment